![Picture](/uploads/3/9/3/6/39360441/1431621751.png)
‘ኣቱም ቤት ያእቆብ ፡ ንዑ ኾታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ ።’ /ኢሰ 2፡5/።
መገዲ እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ጸልማት የብሉን ። እዚ መገዲ ወይ ጎደና ብርሃን እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኦ ጸልማት የብሉን ። እዚ ብርሃን ንህይወት ሰብ ዕረፍትን ሰላምን ይህብ ፡ ብሓቂ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ እንተኾይንና ፡ ነፍስና ዕረፍቲ ክትመልእ ግድንዩ ፡ ምኽንያቱ እዚ ብርሃን እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ። ዓለም ጸልማት እያ ፡ እዚ ብርሃን እንተዘይረኺብና ናበይ ከም እንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና ። እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ ፡ ኣብኡ ከኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዘየልቦ ፡ ንፍለጥ ። /1ዮሃ1፡5/ ። ስለዚ ብርሃን ክንረክብ ናብ ጎይታ ክንመጽእ ኣሎና ፡ የሱስ ክርስቶስ ‘ኣነ ብርሃን ዓለም እየ’ ኢሉ ፡ የሱስ ብርሃን ህይወት እዩ ፡ ብዘይ ብእኡ ህይወት ጸልማትን ትርጉም ዘይብላን እያ ።
ዘማሪ ዳዊት ‘ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኸለይ ፡ ንሰን ይምርሓኒ’ ኢሉ ። ብርሃን እግዚኣብሄር ብጸሎት ይርከብ ፡ ጸላይ ሰብ ገለ ብርሃን እግዚኣብሄር ከይረኸበ ኣይምለስን ። ብተወሳኺ ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንመገድና ብርሃን ብምኳኑ ፡ ብሓቂ ብምጽብባይ ንቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከሎና ንህይወትና ብርሃንን ሓቅን ንረክብ ኢና ፡ “እዘን ዝነግረኩም ዘለኹ ቃላት መንፈስ እየን ህይወትውን ኣለወን’ ፡ ናይ ጎይታ ቃል ህይወት እዩ ፡ ብርሃን ህይወት እዩ ። እምበኣርሲ ናብዚ መገዲ ብርሃን ኣዚኻ ቕረብ ።